ናይ ፈረንሳይ መርከብ ንፈለማ እዋን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ፈረንሳይ መርከብ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ንፈለማ እዋን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡

ሲ ኤም ኤ ዝተሰመየት ንብረት ፈረንሳዊ ኩባኒያ ዝኾነትን ኪርቢ ዝብል ስያመ ዘለዋን መርከብ ንፈለማ እዋን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ምሕላፋ ተገሊፁ፡፡

እታ መርከብ ካብ ርእሰ ከተማ ኦማን ሙስካት ብምብጋስ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ኣቋሪፃ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ገልፍ ከምዝወፅአትን ኣብ ጉዕዞኣ ብዝተገበረ ክትትል ንብረትነታ ናይ ፈረንሳይ ከምዝኾነትን ተሓቢሩ፡፡

እታ መርከብ ናብ ግዝኣት ኢራን ቅድሚ ምእታዋ ናይ ፈረንሳይ ምዃና ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከምዘፍለጠት ሓበሬታ ትራፊክ ባሕሪ ብምፅራሕ ኤ ኤፍ ፒን ሬውተርስን ፀብፂቦም።

ኢራን እቲ ኲናት ስዒቡ ናይ ፀላእተይ ብምባል ዝገለፀተን መራኽብ ብሆርሙዝ ከይሓልፋ ምኽልካላ ይዝከር፡፡

ይኹን እምበር እታ መርከብ ልዑል ሓለዋ ብዝግበረሉ ወሽመጥ ድሕንነታ ተሓሊዩ ብኸመይ ከምዝሓለፈት ዘይተገለፀ እንትኸውን፤ ኩባንያታት ፈረንሳይ እውን ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ትማሊ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምኽፋት ወታደራዊ ኣማራፂ ምጥቃም ትኽክል ከምዘይኮነን ምስ ኢራን ምዝርራብ ኣድላዪ ከምዝኾነን ተዛሪቦም፡፡

20 ሚኢታዊ ድፍድፍ ዘይቲን ፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝን ዓለም ዝመሓላለፈሉ ወሽመጥ ሆርሙዝ ምዕፃዉ ስዒቡ ዕድጊት ነዳዲ ዓለም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከቢድ ፅዕንቶ ምእታዉ ፀብፃባት ኣመልኪቶም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment