ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኔዘርላንድስ ስቲጅን ጃንሰን ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ምትእስሳርን እተን ሃገራት ብትጉረት ተመያይጦም፡፡
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)÷ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ከይዲ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምድሃብ ገለፃ ገይሮም፡፡
ስቲጅን ጃንሰን ብግደኦም÷ ሓፈሻዊ ለውጢ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምንኣዶም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
ኔዘርላንድስ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ልምዓት፣ ንግዲን ካልኦትን ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም፡፡