ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሕግዙ ሃገራዊ ክብሪታት ናብ ዕዳጋ ክመፅኡ ኣለዎም ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) “ኣለሻ ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ” ብዘብል ርእሲ ተፃሒፉ ንኣንበብቲ ዝበቕዐ መፅሓፍ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ዝርከቡ ሰብሞያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተዛቲዮምሉ፡፡
ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ከምዝበሉዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝጠቕሙ ከም ሽምግልና፣ ዕርቂ፣ ሕጊን ካልኦትን ክብሪታት ክፍለጡ ዝግርር ስራሕ ክቕፅል ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
በዓል ሞያ ጋዜጠኝነትን ኮሙዩኒኬሽንን ከምኡ እውን ተመራማሪ ኣይተ ከማል ሃሺ ብግደኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘዕበዩዎ ልምዲን ፍልጠትን ብመልክዕ መፅሓፍ ንህዝቢ ምክፋሎም ዝምስን ልምምድ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
“ኣለሻ ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ” ብዝብል ርእሲ ዝተፅሓፈ መፅፍ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ንሃገር በቆል ፍልጠት ትኹረት ብመሃብ ንኢትዮጵያ ዝመስል ዴሞክራሲ ንመህናፅ ዘኽእል ፃዕሪ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ድማ ምሁር ፍልስፍናን ተመራማሪን ኣይተ ዘሪሁን ተሾመ ኢዮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!