ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ቀደማይ ሚኒስትርን ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዝሃብዎ መምርሒ ስራሕ ተዛዚሙ።

ናይቲ ፓርቲ ም/ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝበልዎ÷ “ብምድማር መንግስቲ ኣረኣእያ፣ ናይ ዓውዲታት ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ነቶም ኣመራርሓታት ስልጠና ፀኒሑ።

ካብ 19 ክሳብ 30 ጥቅምቲ  2018 ዓ.ም ኣብ ኣዳማን ኣዲስ ኣበባን ዝተውሃበ ስልጠና ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ቀደማይ ሚኒስትርን ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዝሃብዎ መምርሒ ስራሕ ብዓወት ምዝዛሙ ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ  ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃፅኡ ኣስታት 2 ሺሕ ዝኾኑ ላዕለዎት  ኣመራርሓ ምስታፎም  ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

ብመንፅር ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ምፍጣርን ናይ ተግባር  ኣፈፃፅማ ምምዕባልን  ልዑል ረብሓ ዝተረኸበሉ ኢዩ ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment