ንሓይሊ አየር ኢትዮጵያ ሰማይ ወሰን ኮይኑ ኣይፈልጥን-ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሓይሊ አየር ኢትዮጵያ ሰማይ ወሰን ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ኣሰር ጅግንነቱ ዘንብረሉ፣ ብቕዓቱ ዝልከዐሉን ናይ ሃገር ኩርዓት ዝእውጀሉን ሰፊሕ መፃወቲ ሜድኡ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

እቶም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሰናይ ናትና ኢዩ ዝብል መትከሉ ብኹርዓት ን90 ዓመታት ኣዊጁ ኢዩ ኢሎም።

90 ካብ ቁፅሪ ንዓቐብ ኢዩ ዝበሃል ብምኽኒያት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ትሽዓተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተሓተመ ዘይብዳህ ክልል ኣየር ናይ ምሕላው ፅንዓት፣ ኣብ ሰማይ ዝተፅሓፈ ናይ ሉእላውነት ታሪክ፣ ዘበን ዝተሻገረ ናይ ሓድነት ኣርማ ኢዩ እንትብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment