ንሕልፈት መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ዘቃለዐ ዞባዊን ወታደራዊን ጎንፂ ማእኸላይ ምብራቕ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ ንሕልፈት ዘቃለዐ ዞባዊን ወታደራዊን ጎንፂ ማእኸላይ ምብራቕ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ሞንጎ እስራኤል፣ ኣሜሪካን ኢራንን ከም ብሓዱሽ ዝደገሰ ወታደራዊ ጎንፂ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ዝበለፀ ወጥሪ ኣእቲዩዎ ይርከብ፡፡

ኣሜሪካን እስራኤልን ትማሊ ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈፀመኦ መጥቃዕቲ ሚሳኤል፤ ወዲ 86 ዓመት መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ሕልፈት ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ ስዒቡ ኢራን ኣብ መላእ እታ ሃገር ን40 መዓልቲ ዝፀንሕ ብሄራዊ ሓዘን ዝኣወጀት እንትትከውን÷ ዓፀፋዊ ስጉምቲ እናወሰፈት ትርከብ፡፡

ቴህራን ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ባህሬን፣ ኳታር፣ ኩዌትን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ዝርከቡ ወታደራዊ ናቑጣታታት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ፈፂማ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ እስራኤል፣ ኣሜሪካን ኢራንን ዝግበር መጥቃዕቲ ሚሳኤል ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ብዝበለፀ ምግዳዱ ስዒቡ ድማ ሃገራት እቲ ዞባ ኣየር ክልለን ንበረራ ከምዝዓፀዋ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment