ንመረፃ ዕውትነት ደቂ ኣንስትዮ እጃም መሪሕነት ክወስዳ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕውት ንክኾን ደቂ ኣንስትዮ እጃም መሪሕነት ክወስዳ ይግባእ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ዋና ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣደም ፋራህ።
ሚኒስቴር ሰላም ምስ ኣወዳድባ ደቂ ኣንስትዮ ብምትሕብባር ‘ግደ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላማዊ መረፃ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሃገር ለኸ መዛዛሚ መድረኽ ኣካይዱ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ መረፃ ዕዉት ንኽኸውንን ዲሞክራሲ ንኽዕንብብን ደቂ ኣንስትዮ ከም መረፅቲ፣ ተወዳደርትን ዓቃብ ሰላምን ብምኳን ብቀዳምነት ክገብራ ይግባእ።
መንግስቲ ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ብፅሒት ንክህልዎ ኣብ ምግባር ዓለም ለኸ ኣብነት ተመዝጊቡ ኢሎም፡፡
ኣብ ኮሪደር ልምዓት፣ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ብትሩፋት ሌማትን ዝኣመሰሉ ናይ መንግስቲ ኢኒሼቲቫት ብቐዳምነት ተረባሕቲ ምዃኖም ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment