ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ብምምልካት ንሕብረት ማሕበራት ጉድኣት ኣካል ክልል ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ገይሩ።
በዚ ድማ ልዕሊ 7 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ዊልቼር፣ ክራንች፣ ንምስማዕ ዝሕግዙ መሳርሒታት፣ ፀዓዱ በትታትን ካልኦት ናውቲን ዝተበርከቱ እንትኾኑ፤ ተወሳኺ 700 ሺሕ ብር ሓገዝ ተገይሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ዓሊ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ እቲ ሓገዝ ማሕበራት ጉዲኣት ኣካል እቲ ክልል ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ።
ቅድሚ ሕዚ ነተን ማሕበራት ሓገዝ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።
ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ብግደኦም፤ ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላምፃምዝዓሰለ ብምሕባር፤ ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ኣብቲ ክልል ንምኽባር ንዝተረኸቡ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ክልል ጉዱኣት ኣካላት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ንምክታትን ማዕረ ተሳተፍቲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምክትል ኣካቢ ቦርድ ፌደሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ሂዳያ ዓሊ፤ ጎንፂን ኲናትን ሓደ ፍልፍል ጉድኣት ኣካል ክዝኾነ ብምሕባር፤ ሰላም ንምፅናዕ ክስራሕ ከምዘለዎ ምግንዛበን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!