ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ንምቁራፅ ዝተወሰደ ታሪኻዊ ስጉምቲ ነይሩ።
እቲ ስምምዕነት፤ ጎንፂ ብዘላቕነት ንምቁራፅ ስልጣን ፌደራል መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምኽባር፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምላስን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ንፁራት ኣንፈታት ኣቐሚጡ እዩ።
ቁልፊ ትሕዝቶታት እቲ ስምምዕነት ተኹሲ ምቁራፅ፣ ኩሎም ኣገልግሎታት መንግስቲ ዳግም ምጅማር፣ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ዳግመ ሕውየትን ዳግም ናብ ሰላማዊ ህይወት ምምላስን (ዲ.ዲ.ኣር)፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ከምኡ እውን ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣፍልጦ ምሃብ ዝብሉ ይርከቡዎም።
እዚ ታሪኻዊ ስምምዕነት ውፅኢት ቆራፅ ሃገራዊ መሪሕነት፣ ዝተረጋገአ ፖለቲካዊ ጥበብን ሓቀኛ ድሌት ሰላምን ብተግባር ዝተረጋገፀሉ ስምምዕ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ፌደራል መንግስቲ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ናይ ምፅጋንን ስራሕቲ ዳግም ናይ ምጅማርን ተግባራት ኣካይዱ እዩ። በዚ ድማ ምንቅስቓስ ንግዲ፣ በረራታት፣ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ መብራህቲን ባንኪን ኣብቲ ክልል ብቕልጡፍ ክጅመሩ ተኻኢሉ እዩ።
እዚ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ኣዝዮም ወሰንቲ ስጉምትታት ብቐዳምነት ክጥቀስ ዝኽእል ኮይኑ፤ ንህዝቢ ዓብዪ እፎይታ ካብ ዘምፅኡ ውፅኢታውያን ውሳነታት ሓደ እዩ።
መንግስቲ ነቲ ጉጅለ ኣብ ዓውደ ውግእ ስዒሩ እናሃለወ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፈረመሉ ምኽንያት፤ ህዝቢ ካብ ስቓይ ኲናት ክናገፍን ዘላቒ ሰላም ክዓስልን ብምሕሳብ ዝወሰዶ ቆራፅ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ብዘይ ጎንፂ ህላወ ዝህልዎ ዘይመስሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት፤ ነቲ ስምምዕነት ብምጥሓስ ኣብ ትግራይ እናተራእየ ዝነበረ ተስፋ ሰላም እናህሰሶ ይርከብ።
ንዝሓለፉ 50ን ልዕሊኡን ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎንፂን ኲናትን ክነብር ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሕዚ ካብ ህዝቢ እናተነፀለ ይርከብ። ህዝቢ ትግራይ ነቲ ጉጅለ ዘለዎ ናይ ሓቂ ፀረ ህዝብነትን ፀረል ምዓትነትን ብንፁር እናተረድኦ ይመፅእ ኣሎ።
ነዚ እዩ ድማ እቲ ጉጅለ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ምስርሑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዋጅ ጭቆና ምእዋጁ፣ መናእሰይ ብግዲ ናብ ውትድርና ምግፋፉ፣ ከምኡ እውን እቲ ክልል ብልምዓት ድሕሪት ክተርፍ ምግባሩ፣ እቲ ጉጅለ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ህዝቢ ብንፁር ክርዳእ ገይርዎ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብትግርኛ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት፤ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ድርቂ እናሃለወ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ኲናት ካብ ምእዋጁ ብተወሳኺ፣ መንገድታትን መዓርፎ ነፈርትን ብምዕፃው ንህዝቢ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ስቓይ ኣእትይዎ እዩ ኢሎም።
ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻልን ንሰላም እቲ ክልል ዝቃለሱ ሓይልታትን ዘርኣዮ ድጋፍን ምትሕብባርን ብጭቆናን ምፍርራሕን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተማረረ ብንፁር ዘርኢ እዩ።
ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እዩ። መንግስቲ ምስ ህዝቢ ብሓባር ብምዃን ሰላም ህዝቢ እቲ ክልል ንምርግጋፅን ልምዓት ንምስፋሕን ዝዓለሙ ስራሕቲ ከምዘካይድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም እዮም።
ብትእግስት ግዛቸው