ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ውፅኢት ኣብ ቀፃሊ ንዝውገኑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ዓርሰ ምትእምማን ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም ምሁራን።
እቶም ምሁራን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን እከምዝበሉዎ፤ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ምዕራፍ ኢትዮጵያ ናይ ምፍፃም ዓቕማ ዝበፅትሉ ደረጃ ዘርኢ ኢዩ።
ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭን ምሁር ዲፕሎማሲ ማይን ኣብደላ ከማል (ዶ/ር)፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተሓባቢሮም ፕሮጀክት እቲ ግድብ ምልክት ብሄራዊ ኩርዓትን ዓርሰ እምነትን ገይሮምዎ ኢዮም ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ዝተፈነዉሉ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶታት ተፃዊሩ ንዓወት ከምዝበቕዐ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንዝቕፅሉ ፕሮጀክታት ፈተና ምስጋር ከምዝከኣል ዘርአየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ኣልሚዓ ንምጥቃም ትገብሮም ምንቅስቓሳት ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪቦም።
ካልኣይ ዓድዋና ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ሓድነትን ምኽኣልን ኢትዮጵያውያን ንዓለም ዝገለፀ ኢዩ ዝበሉ ድማ መምህር ዓለም ለኸ ርክብን ዲፕሎማሲን ጥላሁን ሊበን ኢዮም።
ሕድሕድ ተሳትፎ ህዝቢ ህንፀቱ ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም ዘለዎም ፅኑዕ ፍቕሪን ቆራፅነትን ዘርአዩሉ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።
በመቅደስ የኔሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!