ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንተጓዓዝቲ ሓጅን ዑምራን እዚ ዓመት ቅልጡፍን ምቹውን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣየር ንመሃብ ዘኽእሎ ምድላው ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።
ንመበል 1 ሺሕን 446 ግዘ ዝግበር ጉዕዞ ሓጅን ዑምራን ኣመልኪቱ ላዕከዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብሓባር መግለፂ ሂቦም።
ፕሬዚዳንት እቲ ላዕከዋይ ቤት ምኽሪ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብቲ እዋን፥ እቲ መገዲ ኣየር በቢዓመቱ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ሓጅን ዑምራን ንምዕዋት እጃሙ እናበርከተ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ መገዲ ኣየር ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንመሃብ ንዘርአዮ ቀፃሊ ዝኾነ ፃዕሪ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ለማ ያዴቻ ብግደኦምበበኩላቸው፥ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ኢትዮጵያን መላእ ዓለምን ናብ ስዑድ ዓረብ ንዝጓዓዝ ህዝቢ ሙስሊም ብዙሓት በረራታትን ሰራሕተኛታትን ብምምዳብ ከምዝተሰናደአ ገሊፆም።
ነተጓዓዝቲ ሓጅን ዑምራን ቅልጡፍን ዕዙዝን ኣገልግሎት ከምዝወሃበ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ጉዕዞ ሓጅን ዑምራን እዚ ዓመት ካብ ፅባሕ ረፋድ ጀሚሩ ክግበር ኢዩ።