ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ለውጢ ዓመታት ንዜጋታት ዘቐደመ ‘ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ’ ብዙሓት ውፅኢታት ኣመዝጊቡ ኢዩ፡፡
ቅድሚ ለውጢ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ይኽፋኣዮም ይጥዓሞም እዝኒን ዓይኒን ዘይብሉ ጉዳዮም ጉዳዩ ዘይኮነ መንግስቲ ከምዝነበሮም ብዙሓት መመሳኸሪታት ምልዓል ይከኣል፡፡
ንኣብነት ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ዘምርሑለን ዝተፈላለያ ሃገራት ኩነታት ናብራ ኢትዮጵያውያን እንታይ ይመስል ዝብል ከምዝፈተሹ ምልዓል ይከኣል።
ኣብ ዘለዉዎ ሃገር ዕዉት ህይወት ዝመርሑ ብምብርትታዕ ከምኡ እውን ኣብ ፀገም ዝነብሩ ድማ ዘጋጠሞም ፀገም መፍትሒ ንኽረኽቡ ሓገዝ ገይሮም ኢዮም።
ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታው ሓዊሱ ኣብ ዝኸፍአ መስመር ህይወት ዝርከቡ ድማ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተጓዓዙላ ኣውሮፕላን ሒዞም ብምምላስ መንግስቲ ንዜጋታቱ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብተግባር ኣርእዮም ኢዮም።
ናይ ለውጢ መንግስቲ ዜጋታት ናብ ወፃኢ ሃገራት ብምኻድ ንኽሰርሑ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ንኽዋፈሩ ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ሕጋዊ ስምምዕነት ብምፍፃም ናይ ስግኣት ተቓላዕነቶም ኣብ ምንካይ ልዑል ግደ እናተፃወተ ይርከብ።
በዚ ድማ ዜጋታት መሰሎምን ድሕንነቶምን ተሓሊዩ ንርእሶምን ስድረኦምን ክሕግዙ እናተገበረ ይርከብ።
ብኣቤል ነዋይ