ንኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ስነ ስርዓት ዱዓን ሰላትን እናተወገነ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ን40 ዓመታት ኣብ ዘምሀሩሉ መስጅድ ኑር ስነ ስርዓት ዱዓ (ፀሎት)ን ሰላትን እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኡለማታት፣ ደረሳታት፣ ኡስታዛትን ዘመድ ኣዝማድን ተረኺቦም፡፡

ኣብ መስጅድ ኑር ስነ ስርዓት ዱዓን ሰላትን ምስተኻየደ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒዬም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ምፍናው ክግበር ኢዩ፡፡

ቀትሪ ሰዓት 10 ድማ ስርዓተ ቀብሮም ከምዝፍፀም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment