ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፋውንዴሽን ሄኖክ ኣርጋው ልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምናን እታወታትን ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደገፍ ገይሩ።
ነቲ ደገፍ ዝተረከባ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ካብ ዲያስፖራ ክሳብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዎም ፀጋታቶም ዘካፈሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሕያዎት ዜጋታት ኣለዉ ኢለን።
ሎሚ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ፋውንዴሽን ሄኖክ ኣርጋው ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ዝግመቱ 133 ዓይነት ናውቲ ሕክምናን እታወታትን ኣበርኪቱልና ኢለን፡፡
እቶም መሳርሒታት ንኹሊት፣ ኣብ ዓራት ንዝርከቡ ሕሙማት፣ ከምኡ እውን ንኸቢድን ስሩዕን ሕሙማን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ዘኽእለና እዩ ኢለን፡፡
እተን ከንቲባ እቲ ፋውንዴሽን ንዝገበሮ ደገፍ ምስጋና ምቕራበን ኮምዩኒኬሽን እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!