ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ዝገብሩ ህንፀት ሆስፒታላት ይሳለጡ ኣሎዉ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ዝገብሩ ህንፀት ሆስፒታላት ይሳለጡ ኣሎዉ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ  ኣዳነች ኣቤቤ።

ከንቲባ ኣዳነች ንሕቶታት ህዝቢ ጭቡጥ ምላሽ ይህቡ ካብ መንጎ ዘለዉ ስራሕቲ ሓደ ዝኾነ ከይዲ ሀንፀት ሰለስተ ሓፈሻዊ ሆስፒታላት ገምጊመን።

እቶም ሆስፒታላት ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ዝሓሸን ዝማዕበለን ኣገልግሎት ንክህቡ ብዘኽአል መገዲ ይህለፁ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ህንፀቶም ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ እውን ገሊፀን።

ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲ፣ ንፋስ ስልክ ላፍቶን ኮልፌ ቀራኒዮን ይህነፁ ዘለዉ እቶም ሆስፒታላት ቅድመ ሐዚ ሆስፒታል ኣብ ዘይነበሮም ከባቢታት ምህናፆም ፍትሓዊ ተበፃሕነት ሕክምና ምስፋሕ ምኽኣሉ ተዛሪበን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment