ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ዝገብሩ ህንፀት ሆስፒታላት ይሳለጡ ኣሎዉ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ።
ከንቲባ ኣዳነች ንሕቶታት ህዝቢ ጭቡጥ ምላሽ ይህቡ ካብ መንጎ ዘለዉ ስራሕቲ ሓደ ዝኾነ ከይዲ ሀንፀት ሰለስተ ሓፈሻዊ ሆስፒታላት ገምጊመን።
እቶም ሆስፒታላት ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ዝሓሸን ዝማዕበለን ኣገልግሎት ንክህቡ ብዘኽአል መገዲ ይህለፁ ከምዘለዉ ተዛሪበን።
ህንፀቶም ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ እውን ገሊፀን።
ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲ፣ ንፋስ ስልክ ላፍቶን ኮልፌ ቀራኒዮን ይህነፁ ዘለዉ እቶም ሆስፒታላት ቅድመ ሐዚ ሆስፒታል ኣብ ዘይነበሮም ከባቢታት ምህናፆም ፍትሓዊ ተበፃሕነት ሕክምና ምስፋሕ ምኽኣሉ ተዛሪበን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!