ንኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ዘቃልል ዲጂታል መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓማዊል ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ኣገልግሎት እቲ ትካል ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክረኽቡ ዘኽእሎም ሓዱሽ ዲጂታል መተግበሪ ዕላዊ ገይሩ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣብዱልበር ሸምሱ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ እቲ ሓዱሽ ዲጂታል መተግበሪ ኣገልግሎታት ቅልጡፍ፣ ተበፃን ዘበናዊን ብምግባር ነቲ ዘሎ ክፍተት ንምእራምን ተረባሕነት ሃገር ንምዕባይን ዝሕግዝ እዩ።

ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ምግባር ኣጠቓቕማ ግዘ ብምምሕያሽ ኣብ ደለይቲ ኣገልግሎት ዝፍጠሩ መህከይቲ ከይዲታት ብምውጋድ ብግዘን ቦታን እንተይተገደቡ ክጥቀሙ ዘኽእሎም እዩ ኢሎም።

እቲ ዲጂታል መተግበሪ ኣብ ሰሙን 7 መዓልቲ ን24 ሰዓታት ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእል ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ-ጂቡቲ ትራንስፖርት ባቡር ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ብወገኖም፤ ተረባሕነት እቲ ቴክኖሎጂ ንሓፈሻዊ ልምዓት ሃገር ንምስፋሕ ካብ ዘድልዩ ቀንዲ ኣሳለጥቲ ሓደ ምዃኑ ገሊፆም።

ዕላዊ ዝተገብረ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት፣ ናይ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ጉዕዞ ንምዕዋት ዝተቐመጡ ዕላማታት ክዉን ንምግባር ናይ ባዕሉ ግደ ዝጻወተሉ ምዕራፍ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዲጂታል ስነ-ምህዳር ተረባሒ ብምዃን ድሕንነት ሰነዳት ክሕሎ ብምግባርን ኣብ ኣሰራርሓ ኣገልግሎት ዘለዉ መህከይቲ ከይዲታት ንምውጋድን ከም ዝሕግዝ ተገሊፁ።

ብኣሽናፊ ሽብሩ

Comments (0)
Add Comment