ንኣፍሪካውያን ዘላቒ ልምዓት፣ ዕድልን ክብርን ዘረጋግፅ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽህሉ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መራሕቲ ኣፍሪካን ዓለም ለኸን ናብ ኢትዮጵያ እንኳዕ ደሓን መፃእኩም ብምባል፣ ታሪኻዊ ዓሻራን ፅኑዕ ራእይን ኣፍሪካ ኣፅንኦት ሂቦም ገሊፆም፡፡
ናይታ ኣህጉር ዓብዩ ሃፍቲ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ድልዱላት ትካላት ናይ ምህናፅ፣ ምህዞታት ናምዕባይን ዘላቒ ልምዓት ናይ ምዕባይ ዓቕማ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ልምዓት ማይ፣ ኢነርጂ፣ ውሕስነት ምግቢ፣ ከምኡ እውን ልምዓት ኢንዱስትሪ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ኣጉሊሑ፤ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምህርቲ ስርናይ ዓርሰ ምኽኣል ንምዕዋት ዝግበር ፃዕሪ፣ ከምኡ እውን ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ኢንቨስትመንት ንኣፍሪካዊ መፍትሒታትን ሓበራዊ ብልፅግና መርኣያ ገይሮም ሓቢሮም፡፡
ጠንኻራ ጉዕዞ ዕብየት እታ ኣህጉር፣ ኢትዮጵያ 10 ነጥቢ 2% ዕብየት ክትህልዋ ትፅቢት ዝግበረላ ከምኡ እውን ናይ ስነ ህዝቢ ብመናእሰይ ብልጫ እታ ኣህጉር ንምጥቃም ኣብ መንእሰያት፣ ጥዕናን ትምህርትን ወፍሪ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment