ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል ተጣይሹ።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝፍፅሞም ተግባራት ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይን መሰረት ብምግባር ክሰርሕ እዩ።
ኣብቲ ክልል ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ክሳብ ዝጣየሽ ናይቲ ክልል ዕለታዊ ኣገልግሎታት ንምቕራብን ንዝቕፅል ምርጫ ምቹው ኩነታት ንምፍጣርን ዘኽእሉ ተግባራት ከም ዘካይድ ተገሊፁ።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ተግባራቱ ካብ መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ዝወሃቦ ኣንፈትን መምርሒን ከምዘካይድ እውን ተሓቢሩ።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቀንዲ ፈፀምቲ ስራሕ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከምዝተሾሙ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ፦
ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጎስ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝቢን፣
ቴዎድሮስ ኣረጋይ ወ/ስላሴ (ዶ/ር) – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቁጠባን ዳግመ-ህንፀትን።
ብርጋዴር ጀነራል ገብረ እግዚኣብሄር በየነ ሃይሉ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፀፅታን ሰላምን።
ኣይተ ረዳኢ ኃለፎም ወ/ስላሴ — ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፖለቲካን ኣወዳድባ ህዝቢን።
ዶ/ር ሽሻይ ኣማረ – ከንቲባ ከተማ መቐለ ብምዃን ተሾይሞም።