ንኻልኦት ከተማታት መርኣያ ዝኾነ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንካልኦት ከተማታት ባህሊ ስራሕ ብምቕያር ምርኣያ ምዃኑ ተረጋጊፁ እዩ።
ኣብ ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ጠመተ ዝገበረ 2ይ መድረኽ ዘተ ጉባኤ ብምትሕብባር ከተማታት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት ኮሪደር ተፋሰስ ሩባን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ከድር ኣደም ኣብቲ እዋን ፤ ልምዓት ኮሪደር ንካልኦት ከተማታት ናይ ስራሕ ባህሊ ለዊጡ።
ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ደረጃ መነባብሮ ነበርቲ ብምምሕያሽን ባህሊ ስራሕ ዜጋታት ከምዝለወጠን ኣብሪሆም።
ኣብቲ መድረኽ ምትሕብባር ም/ፕሬዚዳንት ኣይተ ኣለማየሁ ኣሰፋ ብወገኖም፥ ከተማታት ፅቡቕ ኣሰራርሓ ብምልውዋጥ ርክበን ንምጥንኻር ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊፆም።
ከተማታት ዘበናዊነት ብምቕባል ሕድሕደን እናተደጋገፋ ልምዓት ኢትዮጵያ ከቀላጥፋ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብገብረማሪያም ወ/ገሪማ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment