ንወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ዕጣን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ዕጣን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ።

መካየዲ ስራሕ ኮሙኒኬሽንን ማሕበራዊ ሓላፍነት ኣመራርሓ ስራሕን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ጋሻው ኣይችሉህም፤ 2 ሺሕን 505 ኩንታል ዕጣን ናብ ቻይና፣ ዱባይ፣ ግሪክ፣ ቱኒዝያን ቱርክን ብምልኣኽ ልዕኪ 1 ሚሊየን 641 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም፡፡

260 ኩንታል ዕጣን ናብ ዕጋ ውሽጢ ጋገር ብምቕራብ ልዕሊ 7 ሚሊየን 710 ሺሕ ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምግላፅ÷ በዚ ድማ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡

እቲ ኮርፖሬሽን ካብ ዝእክቦ ፍርያት ዕጣን 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ከምዘቕርብ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment