ንዓመታት ዝተጓተቱ ፕሮጀክታት ህይወት ይዘርኡ ኣለዉ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዓመታት ዝተጓተቱ ፕሮጀክታት ህይወት ይዘርኡ ኣለዉ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን።

ፕሮጀክት መስኖን መስተ ማይን መገጭ ዝጎብነዩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ሃፍቲ ሃገር ፈሲሱ ባኺኖም ዝተረፉ ፕሮጀክታት እናልዐሉ ምቅልጣፍ ናይዚ መንግስቲ መለለዪ ከምዝኾነ ግድብ መገጭ ሓደ መርአያ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝጀመሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ተጀሚሮም ራኢ ተስፋ ህዝቢን ልምዓትን ሒዞም ዝወደቁ ፕሮጀክታት ብመንግስቲ ብልፅግና ሓዱሽ ትንፋስ እናረኸቡ ህንፀቶም እናተቀላጠፈ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ልምዓት ማይ መስኖን ብቕልጡፍ ብምዝዛም ናይ ዓመታት ሕቶ ማይ ጎንደር ንምምላስ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment