ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኽቕፅል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕዙዝ ግደ ኣበርኪቱ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)።
ብምትሕብባር ስዑድ ዓረብን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ዝተሰናደአን ብቕልጡፍ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኢኮኖሚ ትኹረት ዝገበረን ጉባኤ ይካየድ ኣሎ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ዝተግበረቶ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዕቤት ኢኮኖሚኣ ወሳኒ ግደ እናተፃወተ ይርከብ፡፡
ዕቤት ኢኮኖሚ ክቕፅል ንምግባር መመሓየሺታት ማክሮ ኢኮኖሚ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ብምሕባር፥ ነዚ ድማ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ብዝገበረቶ መመሓየሺ ዘመዘገበቶም ዕቤታት መርአያ ኢዮም ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምምዝጋብ ብትኹረት እናሰርሐት ምዃና ኣብሪሆም፡፡
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!