ንዜጋታት ናብ ኣፍራይነት ዘሰጋገረ ፕሮጀክት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ሴፍቲኔት ልምዓታዊ ከተማታትን ፕሮጀክት ስራሕ ዜጋታት ናብ ኣፍራይነት ኣሰጋጊሩ ኢሉ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልምዓት ሴፍቲኔት ከተማታትን ፕሮጀክት ኣፈፃፅማ ገምጋም መድረኽ የካይድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዴኤታ ፈንታ ደጀን ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 10 ዓመት ኣብ 11 ከተማታት ጅማሮታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 88 ከተማታት እናተተግበረ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ይገብር ኣሎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 388 ሽሕ ዜጋታት ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮም ፃንሒት ዛዚሞም ተመሪቖም ስግግር ምግባሮም ኣረዲኦም፡፡
ዝተካየደ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ስዒቡ ስሩዕ በጀት ንልዕሊ 879 ሽሕ ዜጋታት ኣድላዪ ድጋፍ ይግበር ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።
መንግስትን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝበፅሐሉ ስምምዕነት ኣብቲ ዓውዲ 250 ሚሊየን ዶላር ፋይናንሳዊ ደገፍ ምርካቡ ብምሕባር፤ በዙይ እውን ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት 318 ሽሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም ኢሎም።
ብቤዛዊት ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment