ንዝረአን ዝተረኸበን ውፅኢት ናብ ዘይምእማንን ዘይምቕባልን ናብ ዝመርሕ መፈንጠር ሓሳብ ክንወድቕ ኣይብልናን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዝረአን ዝተረኸበን ውፅኢት ናብ ዘይምእማንን ዘይምቕባልን ናብ ዝመርሕ መፈንጠር ሓሳብ ክንወድቕ ኣይብልናን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ረቡዕ ኣብ ዞባታት ሃላባን ከምባታን ዝነበረና ስነ ስርዓት ርኽከብ ሞዴል መንደራት ገፀር ብምቕፃል ሎሚ ኣብ ዞባታት ሃዲያን ስልጤን ዝተሃነፁ ኣረኪብና ኣለና ኢሎም።

እቶም በዓል ሰለስተ መደቀሲ ኣባይቲ ምግቢ ንምብሳል ዘገልግል መሳርሒ ባዮ ጋዝ፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ፣ መራብሒ ደርሁ፣ ዝተፈለየ ገበላ እንስሳት ዝተማለአሎም ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብተመጣጣኒ ዝነኣሰ ወፃኢ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ እታዎታት ዝሓሸ መንበሪ ከላብ ምርካብ ብተወሳኺ ንማሕበረሰብ ገፀር ምዕባለ ዘለና ሕልሚ ዘርእይ ኢዩ እውን ኢሎም።

ከም ማሕበረሰብ ሓደሽቲ ሓሳባት አንትፍልፍሉ፥ “ኣይከኣልን” ብዝብል ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ናይ ምፍታን ብድሆ ክጅል ይብለና ይኸውን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እንበር ብዝረአን ብዝተረኸበን ውፅኢት ናብ ዘይምእማንን ዘይምቕባልን ናብ ዝመርሕ መፈንጠር ሓሳብ ክንወድቕ ኣይብልናን ኢሎም።

ዜጋታት ለውጢ ከምዝከኣል ሃፍቲታትና ናብ ቅኑዕ ፈላማይ ያታ እንተውዒልና ማሕበረሰብ ብርግፅ ምስጋር ከምዝከኣል ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝርደኦ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ኣርባዕቲአን ዞባታት ዝተሰርሐ ስራሕ ካብ መልላእ እቲ ክልል ክሰፍሕ ይግባእ ብምባል፥ ኣመራርሓ እቲ ክልል ነዚ ገዚፍ ስራሕ ከምዝፍፅሙ ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment