ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዞባዊ ህንፀት መገዲ ኮሪደር ቀርኒ ኣፍሪካ ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ ክቀላጠፍ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ።
ኢትዮጵያ ጎድና ጎድኒ ኣኼባ ፅድያ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ኣኼባ ሚኒስትራት ምትሕብባር ቀርኒ ኣፍሪካ ተሳቲፋ።
ኣብቲ መድረኽ ብ3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ንምህናፅ ትልሚ ኣብ ዝተትሓዘሎም ልዕሊ 9 ሺሕን 100 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍኑ ኣርባዕተ ኮሪደራት መገዲ ገምጋም ኣፈፃፅማ ተኻይዱ።
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝሉዎ÷ ንዞባዊ ህንፀት መገዲ ኮሪደር ቀርኒ ኣፍሪካ ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ ክቀላጠፍ ይግባእ።
ልዕሊ 130 ሚሊየን ህዝቢ ንዘለዋን ምንቅስቓስ ንግዳ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ንዝተመስረተት ሃገር ቅልጡፍ ኮሪደራት ትራንስፖርት ሕርያ ዘይኮነስ ናይ ግድን ኣድለይቲ ኢዮም ኢሎም።
ኣብ ኢኮኖሚ ኮሪደራት ዝግበሩ ኢንቨስትመንታት ምቅልጣፍ ልውውጥ ንግዲ ንምቅልጣፍ፣ ተወዳዳራይነት ንምድንፋዕን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣኼባ ንህንፀት እቶም ኣርባዕተ ኮሪደራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ጀሚሩ ካብ መሓዙት ልምዓት 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ምእካብ ከምዝተኽኣለ ተመልኪቱ፡፡