ንድሕንነት ፋይዳ ታሴራ ዝኸውን ኣገልግሎት  ዲጂታል ሰርተፊኬት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ደሕንነት፥ ንድሕንነት ፋይዳ ታሴራ ዝኸውን ኣገልግሎት  ዲጂታል ሰርተፊኬት ብዕሊ ኣጀሚሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ትእግስት ሃሚድ፥ እቲ ኣገልግሎት ንዜጋታት ዝህቦ ሕድ ሕድ ዲጂታል ታሴራ ሓቃዊ፣ ክረጋገፅ ዝኽእልን ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎን ንክኸወን ዘኽእል ኢዩ።

ስርዓት ፋይዳ ዲጂታል ታሴራ ዘተኣማምን፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ከምዝኾነ ንምርግጋፅ ዘገልግሉ ዲጂታል ሰርቴፊኬታት ንምፍራይ ከምዘኽእል ኣብሪሀን።

ናይቲ ኣገልግሎት ምጅማር ኢትዮጵያ ንሕድ ሕድ ዜጋ ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ እምነት ዝወሃቦን ኩለ መዳይ ዲጂታል ኣገልግሎት ንምሃብ ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ሓቢረን።

ልዑል ቁፅፅር ዝግበረሉ ኣገልግሎት ኣብ ዕላዊ መፈትሕ መሰረተ ልምዓት ናይ ድሕንነት መሐለዊ ዲጂታል ቁልፊታት ዝፍጠረሉን ዝንቀሳቐስሉን ኢዩ ኢለን።

ብመላኩ ገድፍ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment