ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ናይጄሪያ ከተማ ኣቡኩታ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20ን 18ን ዓመት ሻምፒዮና ኣፍሪካ ተሳተፍቲ ንዝነበሩ ኣትሌታትን ኣባላት ጉጅለን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተወጊኑ፡፡
ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፉን ሜዳሊያ ዘምፅኡን ኣትሌታት፣ ንኣሰልጠንቲ፣ ንመራሕቲ ጉጅለን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽን እውን መበረታትኢ ሽልማት ተበርኪቱሎም።
ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ብዳይነት ዝተሳተፈ ኢንስትራክተር ሳሙኤል ብርሃኑ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማትን ተበርኪቱሉ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ስለሺ ስህን ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ፌዴሬሽን ተረኺቦም።
ብእንዳልካቸው ወዳጄ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!