ንጋዜጠኛ ብርሃኑ ወ/ሰማያት ፃውዒት ሓገዝ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መሃንዲስ ፀብፃብ ምርመራ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጋዜጠኛ ብርሃኑ ወ/ሰማያት ብዘጋጠሞ ሕመም ፃውዒት ሓገዝ ቀሪቡ፡፡

እቲ ጋዜጠኛ ዘለዎ ኩነታት ሓዊሱ ሓፈሻዊ ከይዲ ሕክምና ኣመልኪቱ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት መግለፂ ሂቡ።

ጋዜጠኛ ብርሃኑ ወ/ሰማያት ጥንኩር በዓል ሞያ ሰብ ንዝኣመነሉ ሓቂ ክሳብ መስዋእትነት ዝኸፍል፤ ብልሹዋት ኣሰራርሓታት ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ንሰነናይ ምምሕዳር ዝተቓለሰ ጋዜጠኛ ኢዩ፡፡

ብርሃኑ ኣብ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፋና ሬዲዮ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ትካላት ብሞያኡ ሃገሩን ህዝቢን ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ብርቱዕ ሰብ ክልቲአን ኩሊቱ ስረሐን ጠጠው ስለዘበላ ካብ ዝፈትዎ ስራሕ ርሒቑ ይርከብ፡፡

በዚ ድማ እቲ ጋዜጠኛ ዘለዎ ኩነታት ቅልጡፍ ሕክምና ከምዘድልዮ እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛ ብርሃኑ ክልቲአን ኩሊቱ ስራሕ ጠጠው ዘበላ እንትኾና ንቕለ ተኸላ ኩሊት ክሳብ ዝግበረሉ ኣብ ኣሜን ሆስፒታል ክትትል ሕክምና እናገበረ ይርከብ፡፡

ብመንፅር ዘለዎ ነባራዊ ኩነታት ብህፁፅ ናብ ወፃኢ ሃገር ከይዱ ክሕከም ከምዘለዎ ዝተነገረ እንትኸውን ናብ ወፃኢ ሃገር ከይዲ ሕክምናኡ ንምግባር እውን ንንቕለ ተኸላ ኩሊት ጥራሕ ልዕሊ 50 ሺሕ ዶላር የድልዮ፡፡

ብርሃኑ ካብ ሕማሙ ድሒኑ ዳግም ናብ ዝፈትዎ ሞያ ጋዜጠኝነት ንኽምለስ ኩሉ ሓገዝ ንኽገብርን ህይወቱ ንኽድሕንን ፃውዒት ቀሪቡ።

ብሳራ ስዩም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment