ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ነብዩ ባዬ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበባትን ምህዞን ንጥበበኛታት ኣፍልጦ ምሃብ ዘኽእል ኢዩ ኡሎም።
ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበባትን ምህዞን ዝጠመተ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበባትን ምህዞን ዘይምህላዉ ጥበብ ሃገር ንምንታይ ከምእትርበሐሉ ግንዛበ ንከይህሊ ገይሩ ኢዩ።
ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበባትን ምህዞን ንጥበብ፣ ጠቢብን ጥበበኛታትን ተግባር ኣፍልጦ ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ እውን ኢሎም።
ነዚ ተሓሳቢ ዝገበረ ናይ ጥበባትን ምህዞን ኢንዱስትሪን ረቂቕ ፖሊሲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብሰብ ሞያን ምሁራን ዩንቨርስቲን እቲ ዓውዲ እንትዳሎ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።
ብጀማል ኣህመድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!