ንፈተናታት ብዓወት ንምስጋር ሓድነት ዝያዳ ምጥንኻር የድሊ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ንምስጋር ውሽጣዊ ሓድነትን ዓቕሚ ምክልኻልን ምጥንኻር የድሊ ኢሎም ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

ልዑል መድረኽ ዘተ ፖሊሲ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ሃገራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያን መፃኢ ዕድል ምብራቕ ኣፍሪካን ዝቐርፁ ዞባዊ ኩነታትን ስትራቴጂያዊ ተፎካኸርቲ ስግኣታትን ንምምርማር ዝዓለመ እዩ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ እዋን፣ ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ንምስጋር፣ ውሽጣዊ ሓድነትን ዓቕሚ ምክልኻልን ምጥንኻር ከም ዘድሊ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment