ንፖሊስ ብቴክኖሎጂ ንምዝማን ቆላሕታ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ሰላምን ሓይሊን ዝኾነ ፖሊስ ብቴክኖሊጂ ዓቕሙ ንምዕባይ፣ ብስልጠና ንምዝማን፣ ናይ ስራሕ ቦትኡ ምቹእ ናይ ምግባርን ብሓይሊ ሰብ ንምጥንኻርን ቆላሕታ ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 25 ዙር ምልምል ፖሊስ ፌዴራል ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓሳት ብሰላምን ሕጊን ንክውገኑ ዘኽእል ሕጋዊ፣ ሰለማዊን ምቹእን መንቀሳቐሲ ሜዳ ንምፍጣር ፖሊስ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ተስፋ ናይ ዝዕሞኽ ብርሃን ንምሽጋር፥ ናይ ኣፍሪካ ተምሳሌት ብልፅግናን ዓለም ለኸ ኣርኣያ ምዕባለን ንምዃን ገደብ ግዘን ኣንፈትን ኣቐሚጥካ ይስራሕ ከምዘሎ እወን ተዛሪቦም።

ብለይኩን ኣለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment