ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) እናተጋደደ ዝመፀ ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ኢራን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቢርሼባ ብሚሳይል ጥቕዓት ፈፂማ።
በቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሆስፒታል ሶሮካ ዕላማ ምግባሩ እወገን እስራኤል ዝተገለፀ እንትኾን፤ ኣብ ልዕሊ 30 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ግልጋት ህፁፅ ግዘ እስራኤል ገሊፁ፡፡
ብወገን ኢራን ሎሚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ወታደራዊ ትካላት ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ዝርከብ ወታደራዊ ትካል ምዃና ኣብ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ዘይምፍፃማ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ፀብፂቡ፡፡
ከም ግልጋሎት ዜና ኢራን፤ እቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ዝገበረቶ ኣብ ውሽጢ ጋቭ-ያም ቴክኖሎጂ ፓርክ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ምክልኻል እዚን ደሕንነትን እስራኤል እዩ፡፡
ብምዃኑ ኣብ ቀረብኡ ዝርከብ እቲ ሆስፒታል መጠነኛ ጉድኣ ከምዘጋጠሞ ኣብ ወታደራዊ ትካል ዝተፈፀመ ልዑል ፍንዳታ ኣብ ዘብፀሖ ንዝረት ከምዝኾነ ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታንያሁ ኣብ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ዋጋ ከምትከፍል ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ እስራኤል ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘካየደቶ ወፍሪ ኣራክን ናንታዝን ኣብ ዝተበሃሉ ኑክሌር መፈልፈሊ ቦታታት ኢራን መጥቃዕቲ ብዓወት ምፍፃማ ኣፍሊጣ።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!