ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወደባት ኢራን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ከምዝዕፀዉ ዕላዊ ገይሮም፡፡
ኣሜሪካን ኢራንን ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ጠጠው ንምባል ድሕሪ 47 ዓመታት ኣብ ፓኪስታን ዘካየደኦ ፊት ንፊት ዘተ ሰላም ብዘይምምዕነት ምዝዛሙ ይፍለጥ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውሰድ ኩለመዳይ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም፡፡
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ብወሽመፅ ሆርሙዝ ዝውገን ምንቅስቓስ መርከብ ከምዝእግዱ ብምግላፅ÷ ነዚ ድማ ጦር ኣሜሪካ ድሉው ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራን ሞሃመድ ባጋር ጋሊቢፍ ብግደኦም÷ ቴህራን ኣሜሪካ በቢእዋኑ ብእተመሓላልፎ ዝኾነ ይኹን ፈኸራን መፈራርሒን ኢድ ኣይትህብን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራን ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ትፅጋዕ ዝኾነት ትኹን ናይ ጦር መርከብ ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ተጠንቀቕ ይርከብ እውን ኢሎም፡፡
መጠንቀቕታ እቶም ፕሬዚዳንትን ናይ ኢራን ምላሽን ስዒቡ ድማ ናይ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ዳግም ብበርሜል ናብ ልዕሊ 100 ዶላር ክብ ከምዝበለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብመላኩ ገድፍ