ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 18 መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ኲናት ኢራን ኣብ ኢራቕ ከተማ ባግዳድ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ፈፂማ፡፡
ሎሚ ወጋሕታ ኣብቲ ኤምባሲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ዝሓየለ ከምዝኾነ ፍልፍላት ድሕንነት ኢራቕ ተዛሪቦም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራን “ወፍሪ ንሓቀኛ ቃል ኪዳን” ዝብል ስያመ ኣብ ዝሃቦ መጥቃዕቲ ኣብ ኳታር ዝርከብ ጦር ሰፈር ኣሜሪካ ዒላማ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤልን ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ወተታደራዊ ትሕዝቶታት ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ሚሳኤልን ድሮንን ፈፂማ፡፡
እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኲናት ጦር ኣሜሪካ ናብ 5 ሺሕ ዝፅግዑ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን፣ ወታደራዊን መሰረተ ልምዓት ነዳዲን ዒላማታት መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ኢራን ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብወገን እስራኤል 15 ሰባት፣ 13 ወታደራት ኣሜሪካ ከምኡ እውን ናይ መጥቃዕቲ ዒላማ ኣብ ዝተገበራ ካልኦት ሃገራት 49 ዝኾኑ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ፡፡
ብተመሳሳሊ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ሊባኖስ እናፈፀመኦ ብዝርከባ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ 886 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ፡፡
ካብ ማሕበራዊ ቅልውላው ብተወሳኺ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ፅዕንቶ እናሕደረ ዝርከብ እቲ ኲናት ብፍላይ ኣብ ቀረብን ዋጋን ነዳዲ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናስዐበ ይርከብ፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወሽመጥ ሆርሙዝ ሰርጥ ንምኽፋት ዝተፈላለያ ሃገራት ሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ንኽገብራሎም ፃውዒት የቕርቡ እምበር ክሳብ ሕዚ ነቶም ፕሬዚዳንት ምላሽ ዝሃበት ሃገር ከምዘየላ ማዕኸናት ዜና ቢቢሲ፣ ፕሬስ ቴቪን ኣልጀዚራን ፀብፂቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!