ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ንብረትነተን ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ናብ ኲናት ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ኢዶም ናይ ዘየእተዉ ኣካላት ዝኾና መራኽብ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ንኽመሓላለፋ ከምትፈቅድ ኣፍሊጣ።
ኢራን ኲናት ዝኣወጃለይ ፅልኢ ዝፅሕትራ ሃገራትን መሓዙተንን ኢላ ካብ ዝፈለየተን ኣካላት ወፃእ ዘለዋ መራኽብ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ንኽሓልፋ ምፍቃዳ ዕላዊ ገይራ ኣላ።
እዚ ውሳነኣ ድማ ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካል ትራንስፖርት ባሕሪ (ኣይኤምኦ)ን ገሊፃ።
እቲ ውሳነ ዝምልከት ሰነድ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣቢሉ ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬስን ን176 ኣባላት ዓለም ለኸ ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ንበፅሕ ተገይሩ።
ብወሽመጥ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝተፈቐደለን መራኽብ ሰብ መዚ ኢራን ከምዘተኣናግዱወን ፀብፃብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!