ኢራን ዝቐረበላ ግዚያዊ ሓሳብ ምቁራፅ ተኹሲ ውድቂ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝኣተወቶ ኲናት ንምቁራፅ ዝቐረበ ግዚያዊ ሓሳብ ምቁራፅ ተኹሲ ውድቂ ገይራ፡፡

ብኣዳራዳራይነት ፓኪስታን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፃዕሪ ሰላም ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ ህፁፅ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበርን ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲታት ዘላቒ ስምምዕነት ሰላም ንኽግበር ዝሓትት ኢዩ፡፡

ቴህራን ብግደኣ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ግዚያዊ ሓሳብ ምቁራፅ ተኹሲ ውድቂ ብምግባር እቲ ጎንፂ ንምፍታሕ  መፍትሒ ዝበለቶም 10 ቅድመ ኩነታት ኣቕሪባ፡፡

ኢራን ካብ ዘቐመጠቶም ቅድመ ኩነታት ዝተነበሩላ ዓለም ለኸ ማዕቐባት ክለዓሉ፣ ንዝተፈፀማ መጥቃዕቲ ካሕሳ ክኽፈላ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሄዝቦላህ ትወስዶ መጥቃዕቲ ንኽተቋርፅ ዝብሉን ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡

ብምላሹ ድማ ቴህራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ብምኽፋት ድሕንነቱ ዝተሓለወ ምንቅስቓስ ክዓስል ከምትገብር ገሊፃ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፤ ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘይትኸፍት እንተኾይና ኣብ ታ ሃገር ዘለዉ መፈልፈሊ ሓይሊታት መጥቃዕቲ ከምዝፍፅሙ ኣጠንቂቖም ከምዝነበሩ ይዝከር፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ንኢራን ዝቐረበ ሓሳብ ምቁራፅ ተኹሲ ኣዚዩ ጠቓሚ ስጉምቲ ኢዩ ዝበሉ እንትኾኑ፥ እቲ ጎንፂ ጠጠው ንምባል እኹል ከምዘይኮነ ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር ኢራን እቲ ኲናት ብዘላቕነት ምቁራፅ ጥራሕ ተቐባልነት ከምዘለዎ ብምግላፅ ነቲ ሓሳብ ውድቂ ምግባራ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

Comments (0)
Add Comment