ኢሬቻ ሓድነት ብምጥንኻር ንክኽበር መራኸብቲ ሓፋሽ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ዘበን ዝቕበር ኢሬቻ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንክኽበር መራኸብቲ ሓፋሽ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ዝጠመተ ንሰብ ሙያ መራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ፥ ፍልፍል ባህልን ክብሪን ህዝቢ ኦሮሞ ንዘበናት እንትመሓደረሉ ዝፀንሐ ስርዓት ገዳ ኢዩ ኢሎም።

ካብ መንጎ እቶም ባህሊን ክብሪታትን ሓደ ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ኢሬቻ፥ “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ድማ ተዛሪቦም።

ናይ ምስጋናን ዕርቀ ሰላምን በዓል ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ሃገራዊ ሓድነት ብዘጠናኽር መገዲ ንክኽበር ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ስለዝኾነ ናይቲ በዓል እንታይነት፣ ከብሪታትን ኩነታት ኣከባብራን ዝጠመተ ገንዛበ ምፍጣር ከምዘለወን ገሊፆም።

ኢሬቻ ናይ ኦሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መልላእ ኢትዮጵያዊያን በዓል ኢዩ እውን ኢሎም።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment