ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ዘበን ዝኽበር ኢሬቻ ባህላዊ ተውፊቱ ብዝሓለወ መገዲ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ንምኽባር ተዳሊና ኣለና ኢሎም ኣባ ገዳታት።
ኣባ ገዳ ግርማ በቀለ፥ ኢሬቻ ኣብ እዋን ክራማት ዝነበረ ዝናብ ምምላእ ወሓዝቲ ሩባታት፣ ውሕጅን ወዘተ ብዝበሉ ምኽኒያታት ዝተረሓሓቑ ስድራን ህዝብን እቲ ምምላእ ወሓዚ ሩባ ቀኒሱን ብርሃን ኮይኑን ዳግማይ ዝራኸብሉ፣ ዝተሓታተትሉን ንፈጣሪኦም ምስጋና ዘቕርብሉን ኢዩ ኢሎም።
በዓል ኢሬቻ ኣብ ዩኔስኮ ቅርሲ ኮይኑ ዝተመዝገበሉ ስርዓት ገዳ ሓደ መግለፂኡ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ኣባ ገዳ ወልደ ኣብ ብግደኦም፥ ኢሬቻ ኩሉ ብሓባር ዘኽብሮን መግለፂ ሓድነትን ዝኾነ ናይ ምስግና፣ ሰላምን ሓድነትን በዓል ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ንዝምድናታት ህዝቢ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው፥ ኢሬቻ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበሩ በዓላት ሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኤሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ንብዙሕ ዓመታት ሓሊዩ ካብ ዘፅነሖም ዝነኣዱ ማሕበራዊ ክብሪታት ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መግለፂ ፍቕሪን ሓድነትን ከምዝኾነ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!