ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓልዩ ብድሙቕ ንክኽበር ብምግባር ንዋሕዚ ቱሪዝም ዘለዎ ልዑል ግደ ከዐቢ ይግባእ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፡፡
በዓል ኢሬቻ ባህሊዊ ክብርታት ሓልዩ ንምኽባር ኣብ ክሊ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ምስ ኣባገዳታትን ሃዳስንቄታትን ተኻይዱ።
እተን ከንቲባ ኣብ እዋን ዘተ፥ በዓል ኢሬቻ ብዙሓት ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን በፃሕቲ ዝሳተፍሉ በዓል እዩ ኢለን።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣባገዳታት ብግደኦም፥ ኢሬቻ ኣብ ኣደባባይ ዝኽበር ሀዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪን ሕውነትን በዓል ከምዝኾነ ምዝራቦም ምምሕዳር እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!