ኢሬቻ ንዋሕዚ ቱሪዝም ዘለዎ ልዑል ግደ ከዐቢ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓልዩ ብድሙቕ ንክኽበር ብምግባር ንዋሕዚ ቱሪዝም ዘለዎ ልዑል ግደ ከዐቢ ይግባእ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፡፡

በዓል ኢሬቻ ባህሊዊ ክብርታት ሓልዩ ንምኽባር ኣብ ክሊ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው  ዝጠመተ መድረኽ ዘተ  ምስ ኣባገዳታትን ሃዳስንቄታትን ተኻይዱ።

እተን ከንቲባ ኣብ እዋን ዘተ፥ በዓል ኢሬቻ ብዙሓት ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን በፃሕቲ ዝሳተፍሉ በዓል እዩ ኢለን።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣባገዳታት ብግደኦም፥ ኢሬቻ ኣብ ኣደባባይ ዝኽበር ሀዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪን ሕውነትን በዓል ከምዝኾነ ምዝራቦም ምምሕዳር እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment