ኢሬቻ ኢትዮጵያ ንዓለም እተበርክቶ ዘደንቕ ክብራ ኢዩ፡፡

ኢሬቻ ኢትዮጵያ ንዓለም እተበርክቶ ዘደንቕ ክብራ ኢዩ፡፡

ኢትዮጵያ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ንዓለም ኣበርኪታ ኢያ፡፡ ክብሮም ሓሊዮም ንዘበናት ብህዝቢ እናተኸበሩ ዝዘለቑ ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላትን ትውፊቶምን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ሳይንስ፣ ትምህርቲን ባህሊን (ዩኔስኮ) ናይ ኩሉ ወዲ ሰብ ሃፍቲ ተባሂሎም ክምዝገቡ እውን ገይራ ኢያ፡፡ ንምዝገባ ኣብ ከይዲ ዝርከቡ ብዙሓት ክብሪታት ዝወነነት እውን ኢያ፡፡

ኢሬቻ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብህዝቢ ኦሮሞ በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ይቕሬታን ምስጋናን ኢዩ፡፡ እቲ በዓል ብዋናነት ክረምቲ ብሰላም ሓሊፉ ሓዱሽ ዘበን ምብሳሩ ኣመልኪቱ ንፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ ኢዩ፡፡

እቲ ምስጋና ድማ ይቅርታ የቐድም፤ ዝተፃአ ይቕረ ተበሃሂሉ ኣብ ሓደ ቦታ ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ስለዝኾነ፡፡ እዚ ዘደንቕ ክብሪ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ዓለም ንኽኸውን ኢትዮጵያ ንዘበናት ሓሊያቶ ኢያ፤ ክትሕልዎ እውን ኢያ፡፡ ትፅቢት ዝግበረሉ ድማ እቲ በዓል ክብሩ ሓሊዩ፣ ኣሳታፋይነቱ ሓሊዩ ብምኽባርን ብምፍላጥን ኢዩ፡፡

ህዝቢ ኦሮሞን መላእ ኢትዮጵያውያንን ኣብ በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ምስጋና ዘቕርቡሉ ብሓባር ዓወቶም ዘዕውቱሉ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብስምዒት ሓጎስ እናጠዓዓሙ ኢዩ፡፡ ብይቕሬታ ምስጋር፤ ብሓባር ዓወት ምዕታር፤ ብሓባር ምምስጋን መግለፂ ኢትዮጵያውያን ኢዩእሞ፤ ከም ኢሬቻ ዝበሉ ክብሪታት ይቕሬታን ምስጋናን ንብራኸ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ብፅሒት ኣለዎም፡፡

ርሑስ በዓል ኢሬቻ!

መስከረም 2018 ዓ/ም

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

Comments (0)
Add Comment