ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ክሮሺያዊ ነበር ተፃዋቲ ባርሴሎና ኢቫን ራኪቲች ባዕሉ ካብ ኩዕሶ እግሪ ምውፅኡ ዕላዊ ገይሩ።
እዚ ወዲ 37 ዓመት ክሮሽያዊ ካብ ባርሴሎና ብተወሳኺ ንክለብ ስፔን ሲቪያን ንክለብ ሳውዲ ኣልሻባብ ምፅዋቱ ይዝከር፡፡
ኢቫን ራኪቲች ንክለቡን ንሃገሩን ብሓፈሻ 971 ፀወታታት ዝገበረ እንትኾን 288 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ራኪቲች ኣብ ዘበን ፀወትኡ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፅወዓት ኣዐዊቱ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!