ኢትዮጵያን ማሌዢያን ኣብ ወሰንቲ ዓውዲታት ልምዓት ምትሕብባረን ከጠናኽራ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያና ማሌዢያን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ኣብ ወሰንቲ ዓውዲታት ልምዓት ምትሕብባረን ከጠናኽራ ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

ላዕለዋይ ቢዝነስ ፎረም ኢትዮጵያን ማሌዢያን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ተኻይዱ።

ኣብቲ ፎረም ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም፣ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሰብ ሃፍቲ ልምዓት ንግዲን ኢንቨስትመንት ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፥ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ንግዲ ብምጥንኻር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጉልባት ዘሎ ቆራፅነት ዘርኢ ኢዩ።

ኢትዮጵያን ማሌዢያን ዘለወን ክብሪታት ብዝሃ ህብረ ብሄራዊነት ንሓበራዊ ዕቤትን ዞባዊ ምትሕብባርን ፍሉይ ዕድል ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1965 ዝተጀመረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብንግዲን ኢንቨስትመንትን ምጥንኻር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብምግባር ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝሓገዘ ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንትከምዝሃነፀት ብምሕባር፤ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብትኽክለኛ መገዲ ልምዓት እናተጓዓዘት ትርከብ ኢሎም።

ኩባኒያታ ማሌዢያ ዕድላት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ዝጥቀሙሉ ምቹው ምህዳር ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ሕርሻን፣ መዓድንን ካልኦት ወሰንቲ ዓውዲታት ልምዓት ዘለወን ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኩባንያታት ማሌዢያ ዕድላት ንግዲን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብምጥቃም ኣብ ብምዕባለን ተረባሕነትን ዝውሰን ተሳትፎ ልምዓት ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment