ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ነፊሳ ኣልማህዲ ምስ ሚኒስትር ፌዴሬሽን ስፖርት ሩሲያ ሚካኤል ዴግትያረቭ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተዛቲየን፡፡
እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ዘለወን ኢትዮጵያን ሩሲያን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር እናሰርሓ ይርከባ።
እዚ ምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር ከምዝግባእ እውን ሓቢረን።
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስፖርት ስልጠናታት፣ ስፖርት ሳይንስ፣ ስነ-ምግብን ምሕደራ ኣካዳሚ ስፖርትን ከምኡ እውን ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፀን።
ሚካኤል ዴግትያረቭ ብግደኦም ርክብና ብምጥንኻር ኣብ ዓውዲ ስፖርት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።