ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ስሎቬኒያን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ  ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ስሎቬኒያ ናታሻ ፒርክ ሙሳር ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ብምቕባል ኣዘራሪበምወን።

ድሕሪ እቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ፕሬዚዳንት ታዬ፥ ኣብ ዓለም ለኸን ከልቲኣዊ ዛዕባታትን ብምምኻር ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ስፔስ ሳይንስን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ብዛዕባ ዘስርሐሉ ኩነታት ምዝታዮም ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ናታሻ ፒርክ ብግደአን፥ መስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ውፅኢታዊ ዘተ ምግባረን ኣብሪሀን።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ምምሕዳር ማይን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊያ ገሊፀን።

ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ብምክያድ ሕቑፊ ዕንበባ ዘንበራ እንትኾና፥ ብተመሳሳሊ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዑደት ከምዝገበራ ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment