ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዲያሜ ዲዮፕ ተዛትዩ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ይሳተፍ ኣሎ።
ክልቲኦም ወገናት ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፤ ብቐንዱ ምርግጋፅ ቀፃልነት ምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚ ሓዊሱ ብሓዱሽ ሃገራዊ ማዕቐፍ ምትሕብባር ባንኪ ዓለም ኣቢሎም ኣብ ዝቕፅል ምዕራፍ ምትሕብባር ቀዳምነት ክወሃቦም ኣብ ዝግባእ ጉዳያት ተመያይጦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ዘፈር ውልቀ ምስፋሕ ውድድር ምህዳር ንግዲ ወፃኢ ምዕባይ፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ከምኡ እውን ስርዓት ሕርሻ ንለውጢ ክሊማ ዝምጥን ምጥንኻርን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዓውዲታት ምትሕብባር ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ዓለም ዘለዋ ጥንኩር ሽርክነት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝተዘተዩ እውን ሓበሬታ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።
ክልቲኦም ወገናት ንህዝቢ ተረባሕቲ ዝገብሩ ጭቡጣት ውፅኢታት ንምምዝጋብ ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ንምስራሕ ቆራፃት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።