ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ወታደራዊ ዘፈር ብሓባር ምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ቤላሩስ ኣብ ወታደራዊ ዘፈር ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ክልተኣዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን፡፡

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)ንሚኒስትር ምክልኻል ቤላሩስ ዲምትሪ ፓንተስ ተፈራሪሞምዎ።

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ብወታደራዊ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን ንምዕባይ ከምኡ እውን ብወታደራዊ ፍርያታት ርእስኻ ንምኽኣል እናተገበረ ንዝርከብ ፃዕሪ ልዑል ረብሓ ኣለዎ፡፡

ኢትዮጵያ ማእኸል ኣፍሪካ ብምዃና ሓራበዊ ዕዳጋን ተረባሕነትን ምፍጣር ከምዘኽእል ኣመልኪተን፡፡

ብኻሊእ መዳይ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረሙዎ ስትራቴጂካዊ ስምምዕነት ናብ ተግባር ንምስግጋር ዘኽእል ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እተን ሃገራት ዝነበረን ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ክልተኣዊ ስምምዕነት ምትሕብባር ክልቲን ፈተውቲ ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግርን ስትራቴጂካዊ ረብሕኡ ዕዙዝ ከምዝኾነን ተሓቢሩ፡፡

ዲምትሪ ፓንተስ ብግደኦም÷ ክልቲን ሃገራት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብሓባር እናሰርሓ ከምዝርከባ ብምሕባር÷ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ዘፈራት ንምውፋር ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment