ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ኩለመዳይ ምትሕብባረን ንምድንፋዕ ብምዕባይ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነተን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ተስማዕሚዐን፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ን ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቀረብ ሓይሊን ትራንስፖርትን ከምኡ እውን ኣብ ኢ-ኮሜርስ፣ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ኣርቴፊሻል ኢንተለጄንስን ልምዓት ሓምለዋይ ሓይሊን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛቲዮም፡፡
እቲ ዘተ ስዒቡ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘውፅኡዎ ሓበራዊ መግለፂ÷ ኣብ ፎረም ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ንምትግባር ቆራፅ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም፡፡
ኢትዮጵያን ቻይናን ስትራቴጂያዊ ምሕዝነተን ከም ተሞክሮ በብምውሳድ ሃበራዊ ማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪካ ንምህናፅን ኩለመዳይ ምትሕብባረን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ተስማዕሚዐን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!