ኢትዮጵያን ቻይናን ክልተኣዊ ልምዓት ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ቻይናን ክልተኣዊ ልምዓት ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛትየን።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ዝያዳ ንምጥንኻር ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኤጄንሲ ቻይና ሊዩ ዩንፌንግ ዘትዮም።
እቲ ዘተ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝድግፍ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኣብ ምዕባይ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።
ሊዩ ዩንፌንግ ብወገኖም ቻይና ኣብ ፋይናንሳዊ፣ ቴክኒክን ዓቕሚ ህንፀት ንኢትዮጵያ ክትድግፍ ምዃና ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መሰረተ ልምዓት ባቡር፣ ሕርሻ፣ ዲጂታል ልምዓት፣ ኢንዱስትሪን ጥዕናን ዘለዎም ምትሕብባር ንምስፋሕ ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።
ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ትካላዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር እውን ተሰማሚዖም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment