ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ምትሕብባረን ከጠናኽራ ኣብ ዝኽእላሎም ጉዳያት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ሓጋዚ ሚኒስትር ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኤሪክ ሜየር ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ጎና ጎኒ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ከጠናኽራሉ ዝኽእላሎም ጉዳያት ኣልዒሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣተገባብራ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምጥንኻርን ክልተኣዊ ምትሕብባረን ብዝያዳ ንምዕባይን ዘለወን ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት እዚ እቲ ምምሕያሽ ንምቅልጣፍ ዘኽእሉ ቴክኒካዊን ፋይናንሳዊን ሓገዛት ከዕብያ ዝኽእላሉ ኣማራፂ ኣልዒሎም።

ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ ዕላማታት ልምዓት ንምዕዋትን ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ምርግጋዕ ንምዕሳልን፤ ስሩዕን ሃናፂን ዝኾነ ዘተታት ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ተሰማዕሚዖም።

ብመንገዲ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ንኢትዮጵያ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝኽእለሉ ኩነታት ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ባንኪ ገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment