ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ሰላምን ፀፅታን ዘለወን ምትሕብባር ኣጠናኺረን ክቕፅላ ኢየን ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላብጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲዮም።
ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ፥ ከልቲአን ሃገራት ልዕሊ 100 ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምርድዳእ ምፍጣረን ተዛሪቦም።
ኣብ ኩነታት እዚ ቀጣና ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተትሓዘሉን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ዝረኣዩ ጉዳያት ፀፅታ ንሓበራዊ ተረባሕነት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ስምምዕ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ጀነራል ሚካኤል ላንግለይ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን እዚ ቀጣናን ልዑል ግደ ዘለዋ ሃገር ኢያ ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ ሶማሊያ ሰላም ንምንጋስን ገብረ ራዕዲነት ንምቅላስን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።
ኣብቲ ዘተ፥ ኣብዚ ቀጣና ዘሎ ኩነታት ብግልፂ ከምዝተገንዘቡ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ወተሃደራዊን ፀፅታዊን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕመዖም ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ሓዊሱ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓታት ክልቲአን ሃገራት ምርካቦም ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!